Monday , May 20 2024

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ሽወደን ኩለን ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕጻው ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክወሃብ ወሲና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ምስ ማእከናት ዜና ሽወደን ኣብ ዝገብሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ካብ ጽባሕ ሮቡዕ ኣብ ተግባር ዝውዕል ኩለን ናይ ካልኣይ ደርጃ ኣብያተ ትምህርት፡ ኮለጃትን ዩኒቨርስታትን ክህብኦ ዝጸንሓ ኣገልግሎት ብምቑራጽ ኣብ ክንድኡ ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክቕጽላ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ። ብዘይካ እዚ እተን ዝተረፋ ኣብያተ ትምህርቲ ንምዕጻው እውን መንግስቲ ምስ ሰበስልጣናትን ኢኪላታት ጥዕና ኣብ ምድላው ከምዝረከብ ዝሓበረ ቀዳማይ ሚንስተር ሎፍቨን ኩሎም ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘለዎም ተመሃሮ ንምቕጻሉ መንግስቲ ይዛተየሉ ከምዘሎ እውን ወስኹ ሓቢሩ ።

ሚንስተሪ ትምህርቲ ኣና ኢተረት ብወገና ጥዕና ተመሃሮ ንምውሃስ ተመሃሮ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ኣብዝመሃርሉ ደገፍ ወለዶም ከይፍልየኦም ተማሕጺና ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com