Monday , May 20 2024

ለበዳ ኮሮና ኣብ ክረምቲ ኣብቂዑ ዳግማይ ኣብ ጽድያ ክኽሰት ክርምዝኽእል ኪኢላታት የጠንቕቁ።

ለበዳ ኮሮና ኣብ ክረምቲ ኣብቂዑ ዳግማይ ኣብ ጽድያ ክነትጒ ይኽእል እዩ ክብል ፕሮፌሰር ቪሮሎጂ ፍሬድሪክ ኤል ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ’ሎ።፡ እዚ ሕማም ብዓለም ደረጃ ይላባዕ ምህላዉን ዛጊት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት በዚ ምልካፎን ክስራታ ድም ኣብ ሽወደን ኣብ ምቕዛፍ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ዓለምለኻዊ ለበዳ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ናይ ምቅልቓል ባህሪ ከም ዘለዎ ብምጥቃስ ኣብ ክራማት ኣብቂዑ ኣብ ጽድያ ደጊሙ ክውለድ ይኽእል እዩ ኢሉ።

እዚ ምስቲ ኣብ 1918-1920 ሰለስተ ሳዕ ተኸሲቱ ዝነበረ ሕማም ስፓኒሽ ፍሉ ብምውድዳር እዩ ከም ተመኲሮ ኣልዒልዎ። ኮሮና ቫይረስ እውን ተመሳሳሊ ተርእዮ ክህልዎ ትጽቢት ከም ዝገብር እዚ ክኢላ ገሊጹ’ሎ። እቲ ናይ ፈለማ ዝኸፍአ ናይ ምዃን ተኽእሎ ከም ዝህልዎ እውን ተገሊጹ። ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ካልኣይ ሰባት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክፈጥሩ ተኽእሎ ስለ ዘሎ እዩ። በዚ ድማ እቲ ሕማም ኣብ ሳልሳይ ራብዓይ ምምልላሱ ዘይጓዳእ ቫይረስ ናብ ምዃን ክኸይድ እዩ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com