Tuesday , May 21 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ልዕሊ 80%፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ወሲዶም

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 6.5 ሚልዮን ሰባት፡ እንተወሓደ፡ ሓንቲ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም፡ ንመጠን ብዝሒ ዝተኸትቡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ናብ 80.3% ክብ ኣቢልዎ ከምዘሎ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ኣስታት 4.9 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም እቲ መጠን 60.1% በጺሑ ከምዘሎ ጸብጻባት የረድኡ።

ኣብ መላእ ሽወደን፡ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ናይ ዝተለኽፉ ሰባት፡ 1,112,958 በጺሑ ከምዘሎን እቶም 14,659 ድማ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ከምዝሞቱን ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን የረጋግጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com