Monday , May 20 2024

ሓዊ ብምዉላዕ ዝጽንበል ባዓል ቫልቦሪ ሎሚ ዓመት ከምዘይህሉ መንግስቲ ሽወደን ይሕብር።

ዓመት መጸ ካብ እዋን በረድን ዛሕልን ናብ ጸሓይን ዋዕን ዝእተወሉ እዋን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ድሮ ባሕቲ ግንቦት፣ ሓዊ ብምዉላዕ ዳሜራ ብዝመስል ኣገባብ ዝጽንበል ባዓል ቫልቦሪ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ በቲ ልሙድ ባህላዊ ኣገባብ ክባዓል ከምዘይክእል መንግስቲ ከምዝወሰነ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምባርይ ሓቢሩ። ንሱ ኣብዚ ሎሚ ማዓልቲ ዘካየዶ ጋጤጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ንቡር ኩነታት ስለዘየለና ንቡር ባህላዊ ኣገባባትና ክንገብር ዘፍቅድ እዋን እዉን ስለዘይኮነ ምብዓል ቫልቦርይ ሎሚ ዓመት፣ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክግበር ከምዘይኮነ መንግስቲ ወሲኑ ኣሎ ኢሉ። እዚ መንግስቲ ንዘሎ ስግኣት ለበዳ ንምዉጋድ፣ ብሕጊ ዝተዋህቦ ስልጣን ተጠቂሙ ወሲንዎ ዘሎ ዉሳነ ከይጣሓስ ኩሉ ዜጋን ተቐማጥን ክታሓባበርን፣ ብፍላይ ከኣ ወለዲ፣ኣብ ድሮ እቲ ባዓል ንመንእሰያት ደቆም ብግቡእ ክቆጻጸሩ ተማሕጺኑ ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com