Monday , May 20 2024

ሓይልታት ምኽልኻል ሽወደን ኣብ ምጉዕዓዝ ሕሙማን ኮቪድ-19 ክነጥፍ እዩ።

ሃገራዊ ምኽልኻል ሽወደን ንሕሙማን ኮቪድ 19 ንምጉዕዓዝ ካብን ናብን ዝግበር ጉዕዞ ዘገልግላ ብሕክምናዊ ናዉቲ ዝተዓጠቕቃ ሄልኮፕተራትን ነፈርትን ከዋፍር ምዃኑ ተሓቢሩ።

ንከተማታት ፡ ካሊንጊን ነይሾፒን ዘጋጥመን ጻዕቂ ሕሙማት ኮቪድ-19 ንምቅላል ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዋንነት ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ዝኾና ሄሊኮፕተራት ተዳልየን ከምዘለዋ መዕከን ሓበሬታ ሽወደን TT ሓቢሩ። እዘን ሄሊኮፕተራት ሓካይምን ናውቲ ሕክምና ዝዓጠቓን ኮይነን፡ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ሓደጋ ለበዳ ቫይረስ ንምንካይ እቲ ሕሙም ከም ዝድንዝዝ ይኸውን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕብረተ ሰብ ዝሓቶም ጠለባት ንምምላእ ተወሰኽቲ ሄሊኮፕተራት ከነዳሉ ኢና ክብል ሓላፊ ሰርቢ ሄሊኮፕተራት፡ ጆናስ ኔልሾ፡ ሓቢሩ። ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ሓይልታት ምክልኻል ወግዓዊ ዝኾነ ጠለብ ሓገዝ ካብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ክመጻ ከምዝኽእል ኔልሾ ይእምት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com