Tuesday , May 21 2024

ሓደ ሽወደናዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሁዋዊ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ኣልዒሉ

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣብ ልዕሊ ቻይናዊ ኩባንያ  ሁዋዊ፡ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ከምዘልዓሎ ተፈሊጡ።

ኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ በዓልመዚ ፖስታን መራኸቢታትን ብዘቕረቦ ክሲ መሰረት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ርእዩ፡ ኣብዚ ውሳኔ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። በዓል መዚ ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ጸሊም ዝርዝር (ሊስታ) የእትይዎ ምንባሩ ይዝከር።

ክሳብ ዝቕጽል ውሳነ ዝስዕብ፡ ገለ ክፋላት ናይቲ እገዳ፡ ክለዓሉ ምዃኖም ድማ ተገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ በዓልመዚ፡ ብምኽንያት ጸጥታዊ ስግኣታት፡ ፍርያት ቻይናውያን ኩባንያታት ሁዋዌይን ZTE ን ኣብ ጨረታታት 5G ንኸይሳተፉ ማዕጾ ክዓጹ ወሲኑ ምንባሩ ድማ ተገሊጹ።

ብመሰረት እዚ ውሳነ፡ ንሰሉስ ተቘጺሩ ዝነበረ ምጅማር ጨረታ 5G፡ ናብ ካልእ እዋን ከም ዝመሓላለፍ ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ጨርታ ክሳተፋ ፍቓድ ረኺበን ዘለዋ ኩባንያት Hi3G Access (Tre), Net4Mobility (Tele2 ን Telenor), Telia Sweden ከምኡውን  Teracom እየን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትመርሐን ብዙሓት ሃገራት፡ ንኩባንያ ሁዋዊ፡ ካብ ጨረታ 5G ከምዝኣገዳ ይፍለጥ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኩባንያ ሁዋዊ፡ ምስ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎን፡ መንግስቲ ቻይና ድማ ብመንገዲ እቲ ኩባንያ፡ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ክትሰርቕ ትኽእል እያ ብዝብል ምኽንያት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኩባንያ ሁዋዊ፡ ምስ መንግስቲ ቻይና፡ ዝኾነ ዓይነት ርክብ የብለን ብምባል ነቲ ክሲ ከም ዝነጸጎ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com