Monday , May 20 2024

ሓዱሽ ሕጊ ክራይ ኣባይቲ ሳዕቤን ከምዘለዎ ተገሊጹ!!

ሓድሽ ሕጊ ክራይን ጽልዋኡን ኣብ ትሑት ዝኣታዊኦም ዜጋታት ጽልውኡ ዓቢ ሙዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ኣብ ክራይ ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ሰባት ኣብ ውሽጢ ኣባይቶም ንዝገብርዎ ናይ ቀለም ምልካይ፥ ምልዋጥ ወረቐት መንደቕ ወይ ሓደስቲ መሕጸብ ማሽናት ምውሳኽ ዝመሰሉ ንጥፈታት ዘኽፍል ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

እዚ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ዘተኣታተዎ ሓድሽ ናይ ክራይ ሕጊ ኮይኑ ምስ ሊብውራላውን ማእከላይን ሰልፊታት ኣብ ጥሪ ብ ዝተኣትወ ስምምዕ ዝተበጽሐ እዩ። እዚ ስምምዕ ውሑድ ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ብኣሉታ ክጸሉ እዩ ዝብል ፍርሂ ምህላዉ ጸብጻብ ኣፍቶ ብላዴት የመልክት።

ምናልባት ንግዳም ሓደርነት ከስፋሕፍሕ ከም ዝኽእል ተመልኪቱ’ሎ። እዚ ሕጊ ኣብ ብዙሓት ሽወደናውያን ምድንጋር ፈጢሩ ኣሎ። ብዙሓት ድማ ዘየድሊ ናህሪ ዋጋ ከይፈጥር ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ወንጌላዊ ኤሪክ ኣልማግረን እዚ ፍኑው ሕጊ እዩ ክብል ነዚ ኮኒንዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com