Monday , May 20 2024

ሓድሽ ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ክሳብ ባሕቲ ሕዳር ተናዊሑ።

ሓድሽ ዝተሓተ ደረት ደሞዝ ናይቶም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾኑ ፍቓድ ስራሕ ዘመልክቱ ሰባት፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ
ኣብ ክንዲ ካብ ኣብ ባሕቲ ጥቅምቲ፡ ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ። ካብቲ ግዜ ኣትሒዙ፡ እዞም
ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝመጹ ሰባት ዘእትዉዎ ፍቓድ ስራሕ ብቑዕ ኮይኑ ንኽርከብ፥ ብውሕዱ 80% ናይቲ ኣብ ሽወደን
ዘሎ ማእከላይ ደሞዝ ክረኽቡ ምዃኖም ክረጋገጽ ከድልዮ እዩ። እዚ ማለት ቅድሚ ግብሪ ብውሕዱ ወርሓዊ 27,360 ክሮና
ደሞዝ ክረክቡ ከድልዮም እዩ። እዚ ኣሃዝ ካብቲ ሕጂ ዝድለ ልዕሊ ዕጽፊ እዩ። ድሮ ብናይ ስራሕ ፍቓድ ኣብ ሽወደን ዘለዉ ሰባት፡
እዚ ሓድሽ ደረት ኣብ ግብሪ ዝውዕል፡ ናይ ስራሕ ግዜኦም ከናውሑ ውጥን እንተለዎም ጥራይ እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com