Monday , May 20 2024
cREDIT: PIXABAY

ሓድሽ ፍወሳ ሆርሞን ንደቂ ተባዕትዮ ትሑት ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ

ኣብ ሽወደን ዝወሓደ መጠን ፈሳሲ ዘርኢ–ስፐርም–ዘለዎም ደቂተባዕትዮ ብሓድሽ ሆርሞናዊ ኣገባብ ፍወሳ ይግብረሎም
ኣሎ። ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከቡ ሓደስቲ መጻምድቲ እቶም ኣስታት 15% ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይ ምጥናስ ጸገም ዘጋጥሞም፡
ካብዞም ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘጋጥሞም ዘሎ ጽምዲ እቶም ኣስታት ፍርቂ ብሰንኪ ኣብ ደቂተባዕትዮ ዝረአ ሽግር ዋሕዲ ፈሳሲ
ዘርኢ ዝኽሰት ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመጀመርታ ግዜ፡ ትሑት ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ–ስፐርም–ዘለዎም
ደቂ ተባዕትዮ፡ ናይ ምውላድ ዕድሎም ንምዕባይ፡ ፍወሳ ሆርሞን ይፍተን ኣሎ። ኣብ ሽወደን ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሕ ዘሎ ኣብ
ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮሊንስካ–ስቶክሆልም–ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማትስ ሆልምበርግ እዩ፡፡ ኣብዚ 400 መጻምድቲ
ዝተሳተፍዎ ዓለምለኻዊ ፈተነ ብባህርያዊ ኣገባብ ጥንሲ ከስዕብ ከምዝኽእል ይዛረብ።

 

 

 

CREDIT: PIXABAY

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com