Monday , May 20 2024

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፈላማይ ክታበት ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ወለንታኛታት ኣካይዳ።

ስግኣት ዓለምና ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ናይ መጀመርያ ክታበት ኣብ ውለንተኛታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተፈቲኑ። ተመራመርቲ ኣሜሪካ ን ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ  ኣብ ሲያትልን ዋሽንግተንን ንኣርባዕተ ወለንታውያን ግዳይ እዚ ቫይረስ ተዋሂቡ ከምዘሎ እዮም ዝሕብሩ።

እታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ጓል 43 ዓመት ተቐማጢት ሲያትል ኣደ ክልተ ቖልዑ ኮይና፡ ” ናይ መጀመርያ ሰብ ኮይነ ነዚ ክታበት ምውሳደይ ዕደለኛ እየ እዚ መድሃኒት መላእ ዓለም ክኸውን ይትምነ” ኢላ።

እቶም ሰብ ሞያ፡ እዚ ክታበት ይኹን ካልኦት ኣብ መጽናዕቲ ዘለው ክታበታት እቲ ሕማም ይፍውስ ድዩ ዝብል ንምፍላጥ ኣዋርሕ ክወስድ’ዩ ኢሎም።

እዚ ንፈተነ ኣብ ሰናይ ፍቓደኛታት ዝተውሃበ ክታበት ድማ፡ ነዚ ሕማም ካብ ዘቃልዕ ቫይረስ ተቐዲሑ ዝተወስደ ዘይጓዳእ ‘ጀነቲክ ኮድ’ ዝሓዘ ኮሮናቫይረስ ዘየትሕዝ’ዩ ተባሂሉ።

ተመራመርቲ ዓለምና መድሃኒት እዚ ቫይረስ ኣብ ምርካብ ኣብዝጓየይሉ ዘለዎ እዋን እዚ ፈላማይ ኣብ ወድ ሰብ ዝተገብረ ፈተነ ኮይኑ፡ ነዚ ስራሕ ዘሳልጥ ዘሎ ኩባኒያ ባዮቴክኖሎጂ ሞደርና ቴራፒቲክስ፡ እቲ ክታበት ዝተፈላለየ መስርሕ ፈተነ ተኻይድሉ’ዩ ኢሉ።

እዚ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ፈተነ ዝርከብ ክታበት ኤምኣርኤንኤ-1273 ግን፡ ካብቲ ኮቪድ-19 ዘስዓበ ቫይረስ ተወሲዱ ዝተሰርሐ ኣይኮነን።

እኳ ድኣስ፡ ተመራመርቲ ካብቲ ቫይረስ ዝተቐድሐ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተሰርሐ ሓጺር ጭራም ጀነቲካዊ ሓበሬታ [ጀነቲክ ኮድ] ብምውሳድ ዝመሃዙዎ እዩ።

እዚ ረኽሲ ብምውጋድ ስርዓት ምክልኻል ሕማም ንምምዕባል ክሕግዝ ይትስፎ። እንተኾነ፡ እዚ ክታበት ንኣገልግሎት ክውዕል 18 ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል’ዩ።

ምንጪ፣ ቢቢሲ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com