Monday , May 20 2024

ሕዝቢ ንምኽሪ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ይሰምዖ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን ብባህሊ ኣብ እዋን ቅንያት ኣፋስጋ ዝግበሩ ምትኣኽካብ ቤተሰብ ዝሰረቶም መገሻታት ብዝላዓለ ቁጽሪ ምቕናሱ፣ ንወሃብ ቃል ባዓል መዚ መጉዓዓዝያ ምድሪ ቤንግት ኡልሶን ብምጥቃስ ተተ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ትማሊ ሓሙስን ሎሚ ዓርቢ ስቕለትን ብ20 ሚእታዊት ካብቲ ዝነበሮ ትሑት ምንቅስቓስ ትራፊክ ከምዝተመዝገበን፣ እዚ ኸኣ ዜጋታት ነቲ ብኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝዋሃብ ዘሎ መጠንቀቕታን ንመኸተ ኮቪድ-19 የኽብሮ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ይንገር።

ብመሰረት ንምንቅስቓስ ትራፊክ ኣመልኪቱ ወጺኡ ዘሎ ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ፣ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ልክዕ ኣብ ድሮ ቅንያት ባዓል ትንሳኤ ምስ ናይ ሎሚ ክነጻጸር እንከሎ ካብ 80-90 ሚእታዊት ምንቅስቓስ ትራፊክ ከምዝቐነሰ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com