Monday , May 20 2024
Credit: Pixabay

መሃዝቲ ክታበት ኮቪድ mRNA ሽልማት ኖቤል ክወሃቡ እዮም

ካታሊን ካሪኮን ድሩ ዋይስማንን፡ ኣብ ሕማም ኮቪድ-19 ውጽኢታዊ ክታበት mRNA ንምምዕባል ወሳኒ ምርምር ብምክያዶም
ሽልማት ኖቤል ፊዚዮሎጂ–ሕክምና– ተሸሊሞም። ካሪኮ ካብ ሃንጋሪ ዝመጸ ባዮኬሚስት ክኸውን ከሎ፡ ዋይስማን ድማ
ኣመሪካዊ ክኢላ ምክልኻል ሕማማት እዩ። ክልቲኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፔንስልቨንያ ኣብ ምርምር mRNA ብሓባር ብዝሰርሕዎ
ዕዉት ምህዞ ነዚ ሽልማት በቒዖም ኣለዉ። ምርምሮም ”ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣዝዩ ስሉጥ ክታበት” ንኽፈሪ ኣበርክቶ
ከምዝገበረ፡ ዓመታዊ ነቲ ሽልማት ዝዕድል ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ዝርከብ ኮሚተ ኖቤል ሓቢሩ’ሎ። ብተመሳሳሊ ናይ ሎም
ዓመት ሽልማት ኖቤል ፊዚክስ ኣብ 'ኣቶሰከንድ' ንዝግበር መጽናዕቲ ተዋሂቡ’ሎ። እዚ ሽልማት ንፒየር ኣጎስቲኒ፡ ፈረንክ
ክራውስን ኣን ል ሁይሊየርን ዝተዋህበ ኮይኑ፥ ንምእማኑ ዘጸግም ዛጊት ዝሓጸረ ናህሪ ብርሃን ንምዕቃብ ብዝገበርዎ መጽናዕቲ
ኣፍልጦ ሂቡ’ሎ። እዞም ተመራመርቲ ፊዚክስ ን ሓደ ቢልዮን ካብ ቢልዮን ካልኢት ማለት 'ኣቶሰከንድ' ፍጥነት ብርሃን ክዕቅኑን
ብስእሊ ክዕቅቡን ክኢሎም ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጸርቲ ብልጭታ ብርሃን ክንዕቅብ ምኽኣልና፡ ንዝፈጠነ ምንቅስቓስ
ኤሌክትሮናት ብዝምልከት ቅጽበታዊ ስእሊ ክንወስድ ኣኽኢሉና እዩ ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ተመራማሪት ዝኾነት ኣን ል’ሁሊየር እናመሃረት እዚ ብስራት ከም እተነግራትን ”ናይ ​​መወዳእታ ፍርቂ ሰዓት
ምስትምሃረይ ቁሩብ ኣሸጋሪ ጌርዎ ኔሩ” ምባላን ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።
ናይ ሎሚ ዓመት ድምር ሽልማት ኖቤል ካብ ዝኾነ እዋን ዝልዕል እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ምድኻም ባጤራ ክሮና ግን ተዓወቲ ​​እዚ
ሽልማት ዝኾኑ ወጻእተኛታት ሎሚ ዓመት ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበሮም ገንዘብ ዝወሓደ ሸርፊ ከም ዝበጽሖም ተፈሊጡ።
ሎሚ ዓመት ድምር 11 ሚልዮን ክሮና ዝወስዱ ተዓወትቲ ኣለዉ። እንተኾነ ግና እዚ መጠን ገንዘብ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር
ጥራይ እዩ። እንተኾነ ግና ዋላኳ ሓይሊ እቲ ባጤራ ኣብ ዋጋ እቲ ሽልማት ጽልዋ እንተሃለዎ፡ ፋውንዴሽን ኖቤል ግን ነቲ ሽልማት
ብኻልእ ባጤራ ንምትካእ መደብ ከም ዘይብሉ ተፈሊጡ።

 

 

Credit: Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com