Monday , May 20 2024

መሉእ ምሳለጢ መድሃኒትን ጸረ ተሃዋስያን ዝጸዓነት ነፋሪት ኣትያ።

1.5 ቶን ጸረ ተሃዋስያን ዝጸዓነት ነፋሪት ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ንምሕጋዝ ካብ ኲባንያ ባክቲጋርድ ናብ ሽወደን ምእታዋ ተገሊጹ።፡ እዛ ነፋሪት ካብ ኣህጒር ኤስያ እያ ተበጊሳ። እዚ ነቲ ኣብ መላእ ሽወደን ዘሎ ሕጽረት እዚ ኣገዳሲ ናውቲ ሕክምና ከቃልል እዩ ዝብል እምነት ተነቢርሉ’ሎ። እዚ ጸረ ተሃዋስያን ኣዝዩ ፍቱን መካላኸሊ ምትሕልላፍ እዚ ለበዳ ምዃኑ ዋና ኣካያዲት እቲ ትካል ሲሲልያ ኤድስትሪም ሓቢራ’ላ። ካብ ሆንግኮንግ ጥርሓ እትምለስ ነፋሪት ምህላዋ ምስ ፈለጥና ኢና እዚ ኣገዳሲ ባእታ ሒዛትልና ክትመጽእ ጌርና ዘሎና ክትብል ሲሲልያ ኣብሪሃ’ላ። ተመሳሳሊ ብድሆ ዘለወን ካልኦት ኲባንያታት ነዚ ተበግሶ ክጽንበራኦ ድሌት ኣሎና ክትብል እውን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com