Monday , May 20 2024

መምርሒ መንግስቲ ሽወደን፡ ንብዝሒ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዝምልከት

ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ መላእ ኤውሮፓ፡ ይቀላቐል ኣብ ዘሎ እዋን፡ መምርሒታትን ምኽርታትን ሰብ መዚ ጥዕና ከም እንደገና ኣብ ትግባረ ክውዕሉ መጸዋዕታት ይመሓላለፉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንናይ ምትእኽኻብ ቀይዲ ካብ 50 ሰብ ክብ ክብለሉ ዝኽእል መንገድታት ንኸናድዩ ንዝምልከቶም ኣካላት መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ምትእኽኻብ ክሳብ 500 ሰብ ክኸውንን ሰባት ኣብ መንጎኦም ናይ 1 ሜትሮ ጥራይ ምርሕሓቕ ክገብሩ ዝብል እማመ ቀሪቡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝቐረበ እማመ ኣብ ውሳኔ ከይበጽሐ እንከሎ፡ ለበዳ ኮሮና ክቀላቐል ጀሚሩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ንህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንምትእኽኻብ ናይ ሰባት ብዝምልከት፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ማለት፡ ክሳብ 50 ሰባት ጥራይ ተፈቒዱ ከምዘሎን ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢት ዘካይዳ ቤት ምግብታት ግን እቲ መምርሒ ከምዘይሰርሕ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ምስ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ።

እዚ ውሳኔ፡ ካብ ዕለት 8/10/2020 ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ፡ ሊንድ፡ ሓቢራ።

ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንታት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እንተ ዘይወሲኹ፡ ንብዝሒ ተሳተፍቲ ናይ ከም ሙዚቃዊ ምርኢታትን ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝኣመሰሉ ኮፍ ኢልካ ዝካየዱ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዝምልከት ሓዲሽ ውሳኔ ክመሓላለፍ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com