Tuesday , May 21 2024
AFD leader Jörg Meuthen leaves the party in protest. (AP Photo/Luca Bruno)

መራሒ ሰልፊ የማናይ ክንፊ (AFD)፡ መዝነቱ ለቒቑ

ዮርግ ሜውተን፡ መራሒ ናይቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ጥሩፍ ሃገራዊ የማናዊ ሰልፊ AFD፡ እቲ ውድብ፡ ካብቲ ዝነበሮ የማናዊ ዝንባለታት እንዳወሰኸ ናብ ስርዓት ኣውቶሪቶርያን (ውልቀ መላኺ ስርዓት) ብምኻዱ፡ ነዚ ብምቅዋም፡ ካብቲ ውድብ ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ብሃንደበት ዘጋጠመ ምንስሓብ ናይቲ ሓደ ካብቶም ክልተ መራሕቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ዓቢ ዕንቅፋት ከምዝኾነ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ሜውተን ከምዝበሎ፡ እቲ ውድብ (AFD) “ገባርን ሓዳግን” እንዳኾነ ናይ ምምጻእ ዝንባለታት የርእይ ኣሎ ክብል ይወቅስ።

 ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩለንትና ናይቲ ሰልፊ ናብ ኣዝዩ የማናይ ዝኾነ ኣንፈት ይዘዙ ኣሎ” ክብል ሜውተን ንሓደ ARD ተባሂሉ ዝፍለጥ ህዝባዊ ዜና ማዕከን ሓቢሩ።

ንሱ፡ ምስቲ የማናይ ክንፊ ናይቲ ሰልፊ ናይ ሓባር መርገጺ ክታሓዘሉ ዝኽእለሉ ዕድል ንምርካብ ከምዝፈተነ፡ እንተኾነ ግና ከም ዘይተሳኸዐሉ እዩ ዘማርር።

ሜውተን፡ ቲኖ ችሩፑላ ምስ ዝባሃል ካሊኣዩ ብሓባር ኮይኑ እዮ ዝመርሕ ዝነበረ። መራሒት ናይቲ ባይቶኣዊ ክንፊ ናይቲ ሰልፊ ዝኾነት ኣሊስ ዊይደል ምስቲ ኣብቲ ፌደራል ግዝኣት ናይ ቱሪንጋ ኣካታዒ ፖለቲከኛ ዝኾነ ብዮርን ሆኬ፡ ኣብቲ ልዕሊ AFD ርኡይ ጽልዋ ዘለዎም ኮይኑ፡ ክልቲኦም ድማ ኣባላት ናይቲ ጥሩፍ የማናዊ ቅርንጫፍ ናይቲ ሰልፊ ምዃኖም ዝፍለጥ’ዩ።

ብተወሳኺ’ውን ሜውተን ኣብቲ ዝነበሮ ቃለ-መሕትት እቲ ሰልፊ AFD ምስቲ ናይ ኮሮኖቫይረስ መልከፍቲ ብዝተተሓሓዘ ጉዳይ ብዝምልከት “ምእመናዊ–ዝዓይነቱ ቅዋም (sect-like stance)” ከምዝሓዘ እዩ ዝነቅፍ።

AFD aኣብ ዓመተ 2021 ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ናይ ባይቶ 10% ድምጺ ጥራሕ ከምዝረኸበ ዝዝከር’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com