Monday , May 20 2024
Pixabay

መራሒ ጕጅለ ገበን ራዋ ማጂድ ብጒዳይ ዕጸፋርስ ይኽሰስ።

ጉምሩክ ሽወደን ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ልዕሊ 800 ኪሎ ዝምዘን ኣምፈታሚን፡ ኮኬይንን ሃሽ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ድሕሪ
ምውዓሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ማጂድ ራዋ ሰፊሕ መስርሕ ፍርዲ ይካየድ ኣሎ። ራዋ ማጂድ፥ መራሒ ናይቲ ብርክት
ዝበሉ ጎነጻዊ ገበናት ዝፈጸመ “ፎክስትሮት” ዝበሃል ጉጅለ ዝመርሕ ምዃኑ ፖሊስ ይገልጹ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ራዋ ማጂድ ነቲ
ምትሕልላፍ ዕጸፋርስ ከም ዘዳለዎ ይዛረቡ፡፡ ንሱ ግና ነዚ ገበን ኣይወዓልክዎን ክብል እዩ ዝኽድ። “ሓርገጽ ኩርድ” ተባሂሉ’ውን
ዝፍለጥ ማጂድ፡ ኣብ ቱርኪ ከምዝነብር ይእመን። ምስቲ ሕጂ ዘሎ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዘይነበረሉ እዋን መርስሕ ፍርዲን
ክሲን ይካየድ ኣሎ።

 

 

Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com