Monday , May 20 2024

መስርሕ ውሸባ፡ ስድራቤት ሕሙም፡ ዝትግበረሉ መንገድታት ይጽናዕ ኣሎ ተባሂሉ

ስድራ ቤት ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣብ ገዝኦም ክውሸቡ ከድለዮም እዩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ መስርሕ ውሸባ ስድራቤታት ዝካየደሉ መንገድታት ንምንዳይ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ስቶክሆሎም መጽናዕታት የካይድ ኣሎ ክብል ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና ስቶክሆሎም፡ ብዮሪን ኤሪክሶን፡ ገሊጹ ክብል SVT ሓቢሩ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ንምውሳኽ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ስቶክሆሎም ኣመልኪቱ፡ በዓል መዚ ጥዕና፡ ኣገደስቲ ስጉምታት ንምውሳድ፡ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ምስ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ብምርድዳእ፡ ኣድለይቲ ቀይድታት ንምትሕልላፍ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኤሪክሶን ወሲኹ ገሊጹ። መስርሕ ውሸባ ስድራ ቤት ሕሙም፡ ሓደ ካብቲ ዝዝተየሉ ዘሎ ዛዕባታት ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግባረ ክውዕል ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

ቅድም ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ግዜ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ንምፍላጥ ኣብ ዝተኻየዱ መርመራታት፡ እቶም 1.3% ጥራይ ተለኺፎም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ቁጽሪ፡ ናብ 2.2% ክብ ክብል ከምተራእየን ዘሰክፍ ተርእዮ ድማ እዩ ክብል ኤሪክሶን ዘረብኡ ደምዲሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com