Monday , May 20 2024
Credit: Pixabay

መበል 50 ዓመት ዙፋን ካርል መበል 16 ተባዒሉ።

ንጉስ ሽወደን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝተፈላለየ ጽምብል ብምክያድ 50 ዓመት ዙፋኑ ኣብዒሉ። ንጉስ ካርል
መበል 16 ጉስታፍ ወዲ 77 ዓመት በዓል ዘውዲ ሽወደን ኮይኑ፡ ድሕሪ ሞት ኣባሓጎኡ ጉስታፍ ሻድሻይ ኣዶልፍ ኣብ መበል 27
ዓመቱ ናብ ዝፋን ክድይብ ከሎ ኣብ ዓለም ዝነኣሰ ንጉስ እዩ ነይሩ። ቲቲ ሹልትዝ፡ ሓባራዊት ኣዳላዊት ፖድካስት ሬድዮ ሽወደን 'ዘ
ሞናርክስ'፡ ኣቦኡ ወዲ ትሽዓተ ወርሒ ጥራይ ከሎ ኣቡኡ ብሓደጋ ነፋሪት ምሟቱ ንህይወቱ ኣዝዩ ከም ዝጸለዎ ትገልጽ። ንጉስ
ሽወደን ካርል ጉስታፍ ንግስነቱ መበል 16 ብ 15 መስከረም 1973 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን 50 ዓመት ንግስነቱ የብዕል
ኣሎ። ዓርቢ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ስነ-ስርዓት ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣድነቕቲ ንግስነት ሽወደን ኣብ ጥቓ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ
ተኣኪቦም ንጉሳዊ ሰላምታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

 

Credit: Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com