Monday , May 20 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

መንእሰያት ሓደገኛ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 የርእዩ።

ቁጽሪ ናይቶም ሕሙማት ንሓካይም ኣገሪሙ ቁጽሪ ናይቶም ሓደገኛ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ዘለዉ መንእሰያት ካብ ትጽቢት ሓካይም ንላዕሊ ብምዃኑ ኣስደሚምዎም ከምዘሎ ኣብ ሆስፒታል Sodersjukhuset ስቶክሆልም ኣባል ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ዝኾነት ካሪን ሄልድብራንድ ሓቢራ። ለበዳ ቫይረስ ክሮና ካብ ዝጅምር እቲ ሕማም ኣብ ልዕሊ ምሉእ ጥዕና ዘለዎም መንእሰያት ኣየድምዕን እዩ ክብሉ ብዙሓት ሓካይም እምነት ከምዝነበሮም ይፍለጥ። ኣብ ሽወደን ግን ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ኣለዉ ክትብል ካሪን ሄልደብራንድ ንተለቪዥን ሽወደን ሓቢራ። ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ 601 ሰባት ኣለዉ።

ካብዚኣቶም እቶም 75% ደቂ ተባዕትዮ እዩም። ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት እቶም 75% ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይቲ ሽማግለታት ወይ ድማ ሕዱር ሕማም ዘለዎም እዮም። መብዛእትኦም ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል ካብ ዝርከቡ ሰባት እቶም፡

• 4.4% ዕድሚኦም ካብ 20 ክሳብ 29 ዓመት ይኸውን

• 3.6% ዕድሚኦም ካብ 30 ክሳብ 39 ዓመት ይኸውን

• 11.9% ዕድሚኦም ካብ 40 ክሳብ 49 ዓመት ይኸውን

• 25% ዕድሚኦም ካብ 50 ክሳብ 59 ዓመት ይኸውን ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ምሉእ ጥዕና ዝነበሮም መንእሰያት ቁጽሮም ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኮይኑ ከምዘሎ ካሪን ሄልድብራንድ ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን ብሕማም ኮቪድ-19 ካብ ዝሞቱ ሰባት እቶም 94.3% ሽማግለታት ምዃኖም ይፍለጥ። መብዛሕትኦም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ንቕበሎም ሰባት እቶም ሓደገኛ ምልክታት ናይ ኮቪድ-19 ዘርእዩ ኮይኖም ብናይ ምስትንፋስ ማሽን እናተሓገዙ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም እዩ። ናይ ምሕዋይ መስርሕ ብጣዕሚ ዘገምታዊ እዩ። ኣብ ከምዚ ኣስጋኢ ኩነታት ዘለዉ ሰባት ሂወቶም ናይ ምድሓን ተኽእሎ ርጉጽ ኣይኮነን። ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ መንእሰያት ካብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ሂወቶም ናይ ምድሓን ዝሓሸ ዕድል ኣለዎም ክትብል ካሪን ሄልድብራንድ ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com