Tuesday , May 21 2024

መንግስቲ፡ ወለዲ ህጻናት ንዝፍጽምዎ ናይ ምትላል መስርሕ ንምግታእ ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ

ደቆም ከይሓመሙ፡ ደቅና ሓሚሞም ብምባል፡ ደቆም ንኽናብዩ ዕረፍቲ ዝወስዱ ወለዲ (VAB)፡ ንዝፍጽምዎ ናይ ምትላል መስርሕ ብኸመይ ኣገባብ ንምቁጽጻሩ ንምጽናዕ፡ መንግስቲ፡ ወግዓዊ መርመራ ከምዝጀመረን ንህሉው መስርሕ ካሕሳ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕረፍታት ዝምልከት ድማ ምሕዳስ ከምዘድልዮም ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

ወለዲ ንዝሓመሙ ደቆም ንኽኣልዩ ዘኽእል መሰል ቅድሚ 40 ዓመታት ካብ ዝውሰን ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ሂወት፡ ብዙሕ ለውጢታት ተፈጢሮም ክብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣርዶላን ሸካርቢ፡ ሓቢሩ።

ውላዱ ዝሓመመ ወላዲ፡ ንኽኣልዮ ካብ ስራሕ፡ ዕረፍቲ ከምዝወስድን ናይታ መዓልቲ ምሉእ ደሞዙ ድማ ከምዝኽፈልን ዘኽእሎ ሕጊ ከምዘሎን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መንግስቲ፡ ነዚ ሕጊ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ይሓስብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ወለዲ ናይ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ቆልዑ፡ ነቶም ኣብ መዋእለ ህጻናትን ቤት ትምህርታትን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ብዛዕባ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ዉልዶም ንኽሕብሩ፡ ፍቓድ እንተድኣ ሓቲቶም፡ ናይ ዝሓመመ ውላድ ዕረፍቲ (VAB) ንኽወሃቦም ዘኽእል ብመንገዲ እቲ መጽናዕቲ ክቐርብ ምዃኑ ይሕብር።

ጸብጻብ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2022 ክቐርብ ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com