Monday , May 20 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኻልኣይ ግዜ ክላባዕ ተኽእሎ ዘለዎ ማዕበል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምብዳህ ምድላዋት ይጅምር

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል ቀውዒ ከጋጥም ተኽእሎታት ዘለዎ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምብዳህ ንቤት ምኽሪ ምምሕዳራትን ኣርባዕተ ኣገደስቲ መንግስታውያን ትካላትን ሓላፍነት ከምዝሃበ መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ።

እተን ኣርባዕተ ኣገደስቲ መንግስታውያን ትካላት ዝበሃላ፡- ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና፡ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ናይ መድሃኒት ኤጄንስን በዓል መዚ ህጹጽ ረዲኤትን ሓለዋ ማሕበረኮምን  ምዃነን ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ።

ዕማም ናይዞም ብመንግስቲ ዝተረቑሑ ኣካላት፡ ካብቲ ኣብ ምሉእ ሃገር ዝስረሓሉ ዘሎ ኣገባብ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ፡ ብደረጃ ምምሕዳራት ከስርሕ ዝኽእል መምርሒታት ንምጽዳቕ እዩ።

እቲ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዝመጽእ ቀውዒ እንተድኣ ተራእዩ፡ ብደረጃ መላእ ሃገር ዘይኮነ፡ ኣብታ ዝተራእየላ ምምሕዳር ንኽሕጸርን ብደረጃ ምምሕዳር ንምብዳሁ ዘኽእል ኣገባብ ንምውሓስ’ዩ ዝስራሕ ዘሎ ክትብል ሃሊንግሪን ወሲኻ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሽወደን ንመጀመርያ ግዜ ካብ ዝረአ፡ ሻድሻይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ሰባትን ከም ዝጎደለ ይፍለጥ። እንተኾነ ግን፡ ሓደጋ ሕማም ኮቪድ-19 ጌና ከምዘይ ኣብቀዐ፡ ሃሊንግሪን ኣዘኻኺራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com