Monday , May 20 2024

መድሃኒት ሕማም ኮቪድ-19 ኢሎም ብኢንተርኔት ዝሽየጡ ትምዩናት መድሃኒታት ካብ ምግዛእ ተጠንቀቑ!!

ንሕማም ኮቪድ-19 ከሕዊ ይኽእል እዩ ብምባል ብመንገዲ ኢንተርኔት ክሽየጡ ዝፍተኑ ዘለዉ ትምዩናት (ናይ ሓሶት) መድሃኒታት ካብ ምግዛእ ክንቁጠብ ኣለና ክብል ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ጥዕና ኣጠንቂቑ። ፖሊስ ኢንተርፑል ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ተሪር ዝኾነ መጠቀቕታ ኣመሓላሊፉ ይርከብ። ምስ 90 ሃገራት ብምትሕብባር ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝገበሮ ምክትታል ድማ ብዙሓት ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወን ዝተፈለለዩ ትምዩናት መድሃኒታትን ብኽቡር ዝሽየጡ መሽፈን ኣፍን ኣፍንጫን (Masks) ካብ ዕዳጋታት ከምዝኣከበን ንጸብጻብ እቲ ቤት ጽሕፈት ምርኩስ ብምግባር ሬድዩ ኢኮት (ikot) ሓቢሩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝነጥፋ ዝጸናሓ ኣስታት 2500 ዝኾና ነዚ ትምዩን ፍርያት ዘውዓውዓ ዝነበራ መርበባት፡ መራኸቢታትን ሒሳባትን ካብ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከም ዝተዓጸዋ ተሓቢሩ። ፖሊስ ኢንተርፑል ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ዋጋ 140 ሚልዮን ክሮነር ዝዋግኡ ትምዩን መድሃኒት ክህግር እንከሎ ኣብዚ ንግዲ ክነጥፉ ዝጸንሑ 120 ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ። ህዝቢ ብምድንጋር ረብሓታት ምኽዕባት ዝኣመሰሉ ተርእዩታት ካብቶም ኣብ ከምዚ እዋናት ዝረኣዩ ናይ ዕዳጋ ገበናት ፈሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን።

ኣብ ዕዳጋታት ዝረአ ጉድለት ቀረብ ብምምዝማዝ ብጸሊም ዕዳጋ ዋጋታት ከምድላዮም ዝውስኹ ናይ ዕዳጋ ገበነኛታት ኣለዉ ክትብል ኣብ ሎንድ ዩኒቨርስቲ ተማራማሪት ዝኾነት ሱዛን ሎንዲን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ርኢቶኣ ሂባ። እዞም ትምዩናት መድሃኒታት ኣድማዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኖም ሓደ ሓደ እዋናት መርዛማት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክትብል እታ ተማራማሪት ንርኢቶኣ ሓሳብ ወሲኻትሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com