Monday , May 20 2024

መገዲ ኣየር ስካንዲናቪያ ማለት SAS ብዝተፈጥረ ዝሕታለ ስራሕ ልዕሊ 10 ሽሕ ካብ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል ወሲኑ።

ንብረትነቱ ናይ ሽወደን ዝኾነ መገዲ ኣየር ስካንዲናቪያ ማለት SAS ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ተላባዒ ሕማምን ሃገራት ዝወሰንኡ ገደብ መገሻታትን ስዒቡ፣ ብዝተፈጥረ ዝሕታለ ስራሕ ልዕሊ 10 ሽሕ ካብ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል ከምዝወሰነ ትማሊ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ መገዲ ኣየር 90 ሚእታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ብግዚያዉነት፣ ብምጉዳል ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልዉላዉ ክሰግሮ ይኽእል እየ ብዝብል እምነት ኣብቲ መደምደምታ ብምብጻሕ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ መብዛሕቱ ኩርናዓት ዓለም ንምልባዕ ለበደ ኮሮና ንምግታእ ዝተፈላለዩ ናይ ጉዕዞ መስመራትን ዶባት ሃገራትን ስለዝተዓጸወ እቲ ትካል ብዝላዓለ ደረጃ ዝሕታለ ስራሕ ከምዘጋጠሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሽወደን ምስ ስራሓት ቱሪዝምን ሆተልን፣ እዉ ተመሳሳሊ ዝሕታለ ስራሕ ስለዘጋጠመ ተመሳሳሊ ምጉዳል ሰራሕተኛታት ከጋጥም ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com