Monday , May 20 2024

መጠን ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን፡ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ትማሊ ዕለት 22/09/2020፡ ሽወደን፡ 5 ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ኣመዝጊባ። በዚ ድማ፡ ጠቕላላ ድምር ናይቶም ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ናብ 5870 ክብ ክብል እንከሎ፡ ብዝሒ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ናብ 89436 ምብጽሑ ተፈሊጡ።

ኣብ ሽወደን፡ ወላ’ኳ እቲ ቁጽሪ ውሑድ እንተኾነ፡ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ምህላዉ ኣማኻሪ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንዲሽ ቲግኒል ምስ መርበብ ሓበሬታ TT ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ ወሰኽ መልከፍቲ ኮሮና ብዝምልከት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ዘኽእሉ ስጉምታት ንምልላይ መጽናዕቲ ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ምህላዉ፡ ትማሊ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማእከል እቲ ለበዳ ምህላውና ክንዝንግዕ የብልናን። መጠን ብዝሒ ብኮሮና ናይ ዝሞቱ ሰባት ትሑት እኳ እንተሃለወ፡ በዚ ክንዘናጋዕን ኣንፈትና ክንስሕትን ኣይግባእን ክብል ቲግኒል ወሲኹ።

ኣብ ኤውሮፓ ብሓፈሻ፡ ኣብ ከም በዓል ፈረንሳ፡ ስፓኛ፡ ዓዲ ጣልያንን ዓዲ እንግሊዝን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይውስኽ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ መላእ ኤውሮፓ፡ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተረኽቡ ሰባት ናብ 3 ሚልዮን ይገማገም ኣሎ። እዞም ንሪኦም ዘለና ምዕባለታት ድማ ኣሻቐልቲ እናኾኑ ይመጹ ኣለዉ ክብል፡ ቲግኒል፡ ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com