Monday , May 20 2024

መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ስቶክሆሎም፡ ምውሳኽ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ይቕጽል ኣሎ ክብል በዓል መዚ ጥዕና’ዚ ምምሕዳር ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ኣስታት 660 ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘጋጠመ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ  ዝሓለፈ ምሉእ ሰሙን ዝተመዝገበ ቁጽሪ፡ 638 ዝበዝሕ እዩ። ብተወሳኺ፡ ቅድሚ 4 መዓልታት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል 4 ሰባት ጥራይ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ቁጽሪ ናብ 57 በጺሑ ኣሎ። ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ውን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ክሳብ ትማሊ ሰሉስ፡ 8 ሓድሽ መልከፍቲ ተራእዩ ኣሎ ክብሉ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ይሕብሩ።

ምክትታል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቀጻሊ እኳ እንተሃለወ፡ እቲ መልከፍቲ፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዕድመ ዘለዎም ሰባትን ይረአ ምህላዉ እቶም ጸብጻባት ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com