Monday , May 20 2024

መጠን ብዝሒ ጉዳያት ሕማም መንሽሮ ብ30% ቀኒሱ ተባሂሉ

ኣብ ስቶክሆሎም፡ መጠን ብዝሒ ጉዳያት ሕማም መንሽሮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን /2020 ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ብ 30% ከምዝጎደለ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።

ምስ ሕማም መንሽሮ ዝተሓሓዝ መጠን ብዝሒ ጠለባት ኣገልግሎት ብዓቢ ደረጃ ምጉዳሉ፡ መጠን ብዝሒ መርመራታት ሕማም መንሽሮ ከምዝጎደለ ዝሕብር እዩ ክትብል ኣብ “ሳንዱቕ ሓገዝ ሕማም መንሽሮ” ሓላፊት ክፍሊ ኣገልግሎት፡ ኦልሪካ ሶንድሆልም፡ ገሊጻ።

ንምጉዳል ጠለባት ኣገልግሎት ጉዳያት ሕማም መንሽሮ ከም ቀንዲ ረቛሒ ዝጥቀስ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና እዩ። ግዜ ድማ  እቲ ቀንዲ ረቛሒ ናይ ጉዳያት ሕማም መንሽሮ ስለ ዝኾነ ሕሙማት ሕማም መንሽሮ ዝኾኑ ሰባት ተቐላጢፎም ኣገልግሎት ክጠልቡ ከምዝግባእ ሶንድሆልም ኣዘኻኺራ።

ምጉዳል መጠን መርመራታት ሕማም መንሽሮ፡ ኣብ ቀጻሊ ዕዳ ናይተን ምምሕዳራት ከይከውን የሰክፍ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ሳንዱቕ ሕሙማት ሕማም መንሽሮ፡ ነተን ምምሕዳራት ዘድልየን መጠን ንምፍላጥ ስርሑ ጀሚሩ ይርከብ።

ሓላፍነት ተሰኪምና ኣብ መጻኢ ንኸጋጥመና ዝኽእል ድልዋት ክንከውን ይግበኣና። መጠን እነቕርቦ ኣገልግሎትን ዘድልዩና ብዝሒ ናውትን ክንግምግም፡ ኣየኖት ከባቢታት ዝያዳ ሓገዝ ዘድልየን ምዃኑ ምፍላጥን ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ምስቲ ኩነታት ክወሃሃዱ ዘሎ ተኽእሎታት ምውሓስን ዝኣመሰሉ ዕማማት ምምላእ ከም ቀንዲ ዛዕባታት ኮይኖም ክሳብ ናብ ንቡር ኩነታት ንምለስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከስርሑና ከም ዝኽእሉ ምርግጋጽ የድሊ ክትብል ሶንድሆልም ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com