Tuesday , May 21 2024
Catholic Church in Germany (Sven Hoppe/dpa via AP, Pool) PRO117

ማሕረሰብ LGBTQI፡ ቤተ-ክርስትያን ናይ ቅዋም ለውጢ ክትገብር ይጽውዕ

ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከቡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ‘ንሕና LGBTQ ኢና’ ብምባል ጽገናዊ ናይ ቅዋም ለውጢታት ክታኣታተው ጠሊቦም። እዞም ጠለባት ዝስምዑ ዘለው ብዛዕባ እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝወጹ ጸብጻባት ናይ ብልሽውና ኣብ ትናወጸሉ ዘላን እቶም መንበራት ኮፍ መበሊ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ድማ ጥርሖም ክኾኑ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

“ድሕሪ ደጊም ጾታዊ ዝንባለታተይ (ኣንፈተይ) ክሓባብእ ኣይደለን’የ” ክብል ሓደ ኣብ ሮተንቡርግ-ስቱትጋርት ዝነብር ኡዌ ግራው ዝተባህለ ካህን ኣብ ገጻት ፈይስቡክ ጽሒፉ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም 125 ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ኮይኑ፡ ብሓንሳብ ምስቶም ካልኦት ካህናትን ሰራሕተኛታት ናይ ትምህርቲን ምሕደራን ብምዃን ኣንጻር እቲ “ኣድልዎን ምግላልን” ከም ኡ’ውን “ናይ ሚስጥራዊነት ስርዓት፡ ድርብ መለክዒታትን” ኢሎም ንዘሰመዩዎ መስርሕ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ብምቅዋም እዚ ኣካይዳ ብህጹጽ ደው ክብል መግለጺ ከምዘውጹ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ መግለጺ ኣብ ህሉው ኩነታት ናይታ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ነጥቢ-መቐይሮ እዩ ዝቑጸር። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ጳጳስ ፍራንሲስ ባዕሉ ከይተረፈ ምንትውና/ምውልዋል ዘንጸባረቐ ኮይኑ፡ በቶም ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዝርከቡ ዓቃብያን ነቐፌታ ከም ዝበጽሖ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ፡ እቲ ጳጳስ መውስቦ ንሰብኣይን ሰበይቲን ጥራሕ ዝተመደበ ስርዓት ከምዝኾነን ብምንጻርን ብዛዕባ ጾታ ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ ዝተገብሩ መጽናዕታት ዘለዎ ነቐፌታ ከም ዝገለጸን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቫቲካን ንገብረ-ሶዶማዊነት “ሓጥያት” እዩ ክትብል ከምዝፈረጀት ዝዝከር’ዩ።

ይኹን እምበር ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ ናብታ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘቕነዐ ኣብ ልዕሊ ግብረ-ሶዶማዊነት ዘሎ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዝልዝበሉ ኩነታት ክመዓራረይ ዝጠልቡ ሕቶታት ይስምዑ ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ። ሽሕ’ኳ 2.2. ሚልዮን ዝኾኑ ሰዓብቲ እነተለው፡ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝማላለስ ሰብ እናወሓደ ይኸይድ ምህላዉን እቶም ካህናት ድማ ንህጻናት ከም ዘማራስሑዎምን ዝወጹ ዘለው ጸብጻባትን ነቲ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ቅልውላው ዘጋድድ ኩነታት ከምዝፈጠረላ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ  ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝነበረ፡ ቤነዲክት መበል XVI፡ ኣብ 1980’ታት ኣብ ሚዩኒክን ፍሬዚንግን ብተደጋጋሚ ዝተራእየ ብልሽውና ናይ ካህናት ብዝምልከት፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት፡ ንሱ፡ እንዳፈለጠ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ዝነቅፍ ብሓደ ዘይሻራዊ ጸብጻብ ከም ዝተቃለሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com