Monday , May 20 2024

ማሕበራዊ ረድኤት (Social Welfare) ካብ 13 ዞባታት ትምዩን መሸፈን ገጽ ይእክብ።

ትማሊ  ክፍሊ ማሕበራዊ ረድኤት ካብ 13 ዞባታት ሽወደን ናይ ገጽ መሸፈኒታት ምእካብ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ ዝገብሮ ጻንሒት ሓቢሩ።

እዚ መሸፈኒታት ማስክታት ብ ብነፋሪት  ናብ ሽወደን ከምዝኣትወ  ናብተን ዞባታት ድማ ተዘርጊሑ፡ ደሓር ግን እቲ ምምሕዳር ኣብቲ መሸፈኒታት ጉደለታት ብምርካቡ ንኽእክቦ ወሲኑ።

ኣብ ሃገር ሽወደን ክንክን ጥዕና ብሰንኪ ጉድለት መከላኸሊ መሳርሒታት ተጎዲኡ እዩ፡ እዚ ድማ ብወገኑ ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት እዩ ተኸሲቱ። ኣብ መወዳእታ መጋቢት እቲ ካብ ቻይና ዝመጸ ጽዕነትን ጽሬቱ ዝሓለወ መሳርሒ ኣብ ሽወደን ኪኣቱ ጀሚሩ ምሃልዎ ገሊጹ። ካብ መንግስታዊ ወኪላት ዝመጸ ምንጪ፡ ገለ ካብቲ ናብ ዞባታት እተላእከ መሳርሒታት ፈጺሙ ትምዩን ከም ዝነበረ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ስለዚ እቲ ብወለንታውያን ዚውሃብ ዘሎ መሳርሒታት የጠራጥረና …. እቶም ዕቱባት ወለንታውያን ካብቶም ገንዘብ ኪግብቱ ዚደልዩ ክንፈልዮም ኣይንኽእልንብምባል መንግስቲ ዝያዳ ጥንቃቀን ምክትታል ክገብርን ሙኻኑ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com