Monday , May 20 2024

ማሕበር ሓከምቲ የጠንቅቑ፥ ኣብ ስቶክሆልም ብዙሓት ሽወደናውያን-ሶማልያውያን ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ።

ካብቶም  15 ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ 6 ሽወደናውያን-ሶማላውያን እዮም። 

— እቲ ሕማም ኪጅምር ከሎ፡ ሓበሬታ ብቛንቋ ሶማሊ ኣይነበረን፡ ስለዚ ብዙሓት ከም ቀደሞም ይነብሩ ነይሮም፡ ትብል ጂሃን ሞሓመድ፡ ቦርድ ኣባል ማሕበር ሓካይም -ሶማልያውያን፡ ን ኤስቪቲ።

– መብዛሕትኦም ሕዱር ሕማም ዝነበሮም እዮም። ግን ሓደ ካባታቶም፡ ትማሊ ዝሞተ ወዲ 60 ዓመት፡  ንብዙሓት ኣሰምቢዱና። ብዙሓት ብሞቱ ሰምቢዶም፡ ትብል ጂሃን ሞሓመድ። 

ሰኑይ ምሸት ብተወሳኺ 6 ሰባት ከም ዝሞቱ ዞባ ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኩሉ ኩሉ 15 ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም።

ብዙሓት ተጸቓቒጦም እዮም ዚቕመጡ 

ካብዞም 6 እቶም ሓሙሽተ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዞባ የርቫ እዮም ዚቕመጡ፡ ኣብዚ ዞባ’ዚ ድማ ሺስታ፡ ሪንክቢ፡ ስፖንጋ፡ ተንስታ ይርከባ። እቲ ሻድሻይ ግን ኣብ የርፋላ ኮሙን እዩ ዚቕመጥ። 

– ኣነ ዞባ የርቫ ከምዚ ምርካባ ይገርመኒ፡ ግን ከኣ ብዙሓት ተጻቢቦም እዮም ዚቕመጡ። ብዙሓት ወለዶታት ደጋጊሞም ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ይቕመጡ፡ እዚ ከኣ ሳዕቤን ኣለዎ። ብዘይካኡ’ውን እቲ ናይቲ ህዝቢ ጥዕና ሕማቕ እዩ፡ ትብል እታ ባዕላ ኣብቲ ዞባ እትነብር ጂሃን። 

ባህሊ`ውን ተራ ኪህሉዎ ይኽእል እዩ

ንሳ ባህሊ ኣብቲ ምዝርጋሕ ለበዳ ተራ ኣለዎ እያ እትብል።

– ኣብ ሶማልያዊ ባህሊ ኩሉ ኪራኸብ እዩ ዚደሊ፡ ይተሓጋገዝ፡ ይበጻጻሕ፡ ብፍላይ ንሕሙም። እቲ ለበዳ ኣብ ሽወደን ኪጅምር ከሎ፡ ብቛንቋ ሶማሊ ሓበሬታ ኣይነበረን፡ ስለዚ ኩሉ ከም ቀደሙ እዩ ዚነብር ነይሩ።  ሕጂ ግን እቲ ሓበሬታ ብሶማሊኛ ይዝርጋሕ ኣሎ። 

– ኩሉ ሰብ ኪረሓሓቅ ንሕብር ኣሎና፡ ከምኡውን ሓደ ሰብ ምስ ዚሓምም ኣብ ገዛ ኪጸንሕ ኣለዎ። እዚ ናይ ጠባይን ባህርይን ለውጢ ከድልዮ እዩ ትብል ጂሃን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com