Tuesday , May 21 2024

ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ምስ ወነንቲ ኩባንያታት ክግበር ዝጸንሐ ዘተ ብምቁራጹ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ዓቢ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ፡ ካብ ዕለት 27 ሕዳር ዝጅምር ኮይኑ፡ 2200 ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ካብ ስረሖም ደው ክብሉ እዩም።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቦወንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ዮሃን ሊንድሆልም፡ እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ፡ ምስ ገበን ደው ንኽብል፡ ናብ ሞት ዘብጽሑ ሓደጋታት ስራሕን ናይ ስራሕ ሃዋሁን  ዝተሓሓዝ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ወነንቲ ስራሕ፡ ነቲ ዝደለይዎ ንኸትግብሩ፡ ቅድመ ኩነት የንብሩ ምህላዎም ገሊጹ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣቋሪጹ ዘሎ መስርሕ ዘተ ብምቕጻል ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሖም፡ እቲ ናይ ተቛውሞ መስርሕ፡ ኣብቲ ዝተመደበ እዋን ክጅምር ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

መስርሕ ተቛውሞ፡ ኣብ ሰለስተ መድራኻት ዝተኽፍለ ኮይኑ፡ መጀመርታ፡ ኣብ መላእ ከባቢታት ሽወደን ዝርከቡ 87 ናይ ህንጻ መደባት ዝሰርሑ 1400 ስራሕተኛታት ስራሕ ደው ከብሉ ምዃኖምን በዚ ፍጻሜ ዝያዳ ክህሰያ ዝኽእላ ናይ ህንጻ ኩባንያታት፡  Skanska፡ NCC ን Peab ክኾና እየን ተባሂሉ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ 60 ናይ ህንጻ መደባት ዝሰርሑ 800 ሰራሕተኛታት ኣብ ክልተ እብረ፡ ኣብ ዕለት 3 ን 9 ታሕሳስ ስራሕ ደው ከብሉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ዝካየድ ዝነበረ ዘተ፡ ክሳብ ትማሊ ብጽቡቕ ይቕጽል ነይሩ። እንተኾነ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ኣብ እዋን ምሳሕ ነቲ ዘተ ኣቋሪጾሞ። ዘቕረብዎ ምኽንያት፡ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ፡ ዘቋርጾ ኣይኮነን። ካልእ ዘይገለጽዎ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለና ክትብል ኣደ ወንበር ማሕበር ኩባንያታት ህንጻ፡ ካትሪን ስቪርድ፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com