Monday , May 20 2024

ምምሕዳር ከተማታት ደቡብ ሽወደን በጻሕቲ ንምስሓብ ብዙሕ ወፍሪ የካይዳ ኣለዋ ተባሂሉ!!

ሬድዮ ሽወደን ቻናል ፎር ምስ ኤጀንሲ ልምዓት ሽወደን ብምትሕብባር ዘካየዶ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ከተማታት ደቡብ ሽወደን ናይ ወጻኢ በጻሕቲ ንምስሓብ ገዚፍ ወፍሪ ኣብ ምግባር ተጸሚደን ኣለዋ። ብመሰረት ጸብጻባት ዝሓለፈ ዓመት ናይ ወጻኢ በጻሕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሮም ሕድሮ ብ13 ሚእታዊት ዓብዩ’ሎ።

እዚ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር ጽቡቕ ወሰኽ እኳ እንተኾነ ምስ ዴንማርክ ዘርኣየቶ ዕቤት(25%) እንክወዳደር ግና ዝነኣሰ እዩ። በዚ ድማ ከተማታት Ystad, Tomelilla Simrishamn ከምኡ’ውን Sjorbo ኣብ ምምዕባል ጽላት ቱሪዝም ይነጥፋ ኣለዋ። ” 80 ሚእታዊት ናይ ሆቴል ዓሚል ሽወደናዊያን እዮም። ስለዚ ድማ ተወሰኽቲ ሆቴላት ምህናጽ ከድልየና እዩ” ክትብል ዳይረክተር ቱሪዝም ማሪ ሆልምስትሮም ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com