Monday , May 20 2024

ምምሕዳር ከተማ ስቶኮልም ንኹሎም ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ዝተማህሩ ሰባት ሓገዞም ከብርክቱ ይጽውዕ።

ዳይረክተር ጥዕና ዞባ ስቶክሆልም ኤሪክሰን ኲሎም ናይ ሕክምና ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ሓገዞም ከበርክቱ ጸዊዑ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ትማሊ ሕሙማት እዚ ለበዳ ብብዝሒ ድሕሪ ምሟቶምን ሕሙማት ቊጽሮም ናብ ኣማኢት ምብጽሑ ድሕሪ ምጽብጻቡን እዩ። ኣብ ታሪኽ መዘና ዘይተረኽቦ ሓድሽን ብድሆ እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ ድማ ኢሉ።

እቶም ኣብ ትርፊ ግዜኦም ሓገዝ ዘነርክቱ ዘለዉ ገዲፍክ ጡረተኛታት ሞያ ሕክምና እውን ኣብዚ ክሳተፉ ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ። ክሳብቲ ዝለዓለ ሕክምናዊ ናይ ህጹጽ እዋን ኲነታት ክንኣቱ ንኽእል ኢና ክብል ድማ ሓቢሩ’ሎ። ብመስረት እዚ ጻውዒት ልዕሊ 5000 ዝተፈላልየ ሞያ ዘሎዎም ሰባት ድሮም ድልውነቶም ብምምርኣዮም ኣዝዩ ዘተባብዕ ሙዃኑ እዚ ዳይረክተር ጥዕና ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com