Monday , May 20 2024
Credit: File photos: Fredrik Sandberg/TT, Christine Olsson/TT

ምስ ብረት እተተሓሓዘ ገበን ብምፍጻሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉ ኮተቴ ብዕጽፍታት ይውስኹ።

ኣብ ቀዳማይ ሲሶ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ 24 ትሕቲ 18 ዝዕድሜኦም ኮተቴ ምስ ብረት እተተሓሓዘ ገበን ብምፍጻሞም ኣብ
ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝነበረ ብተመሳሳሊ ገበን እተፈጸመ ምውዓል ቀይዲ
እንክወዳደር፥ ብ ሓሙሽተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ካብ ፖሊስ እተረኽበ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። እዚ ምውሳኽ ን ዞባ ፖሊስ ሰሜን
ገዲፍካ ኣብ መላእ ሽወደን ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ። ኮተቴ ነቶም ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ገበናት ዝፍጽሙ
ጒጅለታት ኣጽዋር ኣብ ምምልላስ ይነጥፉ ምህላዎም ክኢላ ገበን ከምኡ’ውን ንፖሊስ መጽናዕቲ ዘዳሉ ቨንገ ኖት ይሕብር።
ዝበዝሐ እዚ ገበናት ኣብ ስቶክሆልም ዝተፈጸመ እዩ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com