Monday , May 20 2024
aljazeera

ረስኒ ኣፍንጫ

ረስኒ ወይ መድመይቲ ኣፍንጫ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህጻናት ዝረአ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዓበይቲ’ውን ሓሓሊፉ ይረአ ኢዩ። ረስኒ ወይ መድመይቲ ኣፍንጫ ብዙሓት ጠንቅታት ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመጕዳእቲን ብዘይ ዝዀነ ምኽንያትን ክኸውን ይኽእል። ቀንዲ ጠንቂ ረስኒ ኣፍንጫ ግን እቲ ብዘይምኽንያት ዝፈስስ ደም ኢዩ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ተነቃፊ ውሽጣዊ ሽፋን ኣፍንጫ ብሰንኪ ቍሪ ወይ ቍጠዐ ይደርቕ ወይ ይነቅዕ እሞ መድመይቲ ይስዕብ። ብጀካ’ዚ ከም ሕማም ጸቕጢ ደም፡ ሕማም ኵሊትን ሕማም ዘይምርጋእ ደምን ጠንቅታት ንረስኒ ወይ መድመይቲ ኣፍንጫ ምዃኖም ይፍለጥ።

ምልክታት
 • መድመይቲ ብሓደኡ ወይ ክልቲኡ ኣፍንጫ
 • ብተደጋጋሚ ሕበጥ ኣፍንጫ
• ምፍዛዝ ወይ ድኻም ሰብነት

ፍወሳ
 1) በረድ ወይ ዝሑል ማይ ኣብ ኣፍንጫ ወይ ምዕጉርቲ ምግባር። ምኽንያቱ በረድን ዝሑል ማይን ኣብ ኣፍንጫ ዝርከቡ ሰራውር ደም ክጭበጡ ዝለዝሕግዝ መድመይቲ ብኡ-ንብኡ ጠጠው ክብል ይሕግዝ።
 2) ንላዕሊ ኣንቃዕሪርካ ደም ክትዓግት ወይ ክትቈጻጸር ምፍታን ጌጋ ኢዩ።
3) ልብጥ ዝበለ ጠስሚ ክልተ ነጥቢ ኣብ ክልቲኡ ኣፍንጫ ምግባር። ምኽንያቱ ጠስሚ ብባህሪኡ ደም ኣብ ምርጋእ እወታዊ ተራ ይጻወት ኢዩ።
 4) ክልተ ነጥቢ ካብ ጽሟቕ ለሚን ንመድመይቲ ኣፍንጫ ጠቓሚ ኢዩ።
 5) ካብ ቱፋሕ ዝተዳለወ ኣቸቶ፡ ንረስኒ ወይ መድመይቲ ኣፍንጫ ንምዕጋት ጠቓሚ ኢዩ። ካብቲ ካብ ቱፋሕ ዝተዳለወ ኣቸቶ ጡጥ ብምጥማዕ ናብ ክልቲኡ ኣፍንጫ ብምግባር መድመይቲ ምዕጋት ይከኣል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com