Tuesday , May 21 2024
Uganda's long-time President Yoweri Museveni (AP Photo/Ben Curtis, File)

ሩዋንዳ፡ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽባ ዶብ፡ ከፊታ

ሩዋንዳ፡ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽባ ዶብ ካብ 2019 ጀሚራ ዓጽያቶ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ክትከፍቶ ምዃና ገሊጻ’ላ።

ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ዝተኸስተ ምስሕሓብ፡ ኣብ ነቚጣታት ዶብ ጋቱና-ካቱና ዝግበር ዝነበረ ምልውዋጥ ኣቕሑን መገሻን ተቛሪጹ እዩ ጸኒሑ።

እዚ ይዂንምበር፡ ብዓቐኑ ውሕድ ዝበለ ፍርያት ብ ችያኒካን ካጊቲምባን ኣቢሉ ክመሓላለፍ ምጽንሑ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ወዱ ን ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ ሌተና ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ናብ ሩዋንድ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ።

ኡጋንዳ ንዜጋታት ሩዋንዳ ትኣስርን ትሰጒግን ኣላ፥ ብዘይካ’ዚ፡ ንዴሞክራስያዊ ሓይልታት ሓርነት ሩዋንዳ ንዝተባህለ ዕጡቕ ምንቅስቃስ ትሕግዝ ኣላ ብዝብል ምኽንያት እያ ሩዋንዳ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽባ ዶባታ ዓጽያቶ ጸኒሓ። መንግስቲ ኡጋንዳ፡ እዞም ክሲታት መሰረት ዘይብሎም እዮም ብምባል ክነጽጎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሩዋንዳ፡ ናብ ጸጥታዊ መሓውረይ ኢዳ ተእቱ ኣላ ኢሉ እውን ብወገኑ ክኸሳ ምጽንሑ ጽብጻባት የመልክቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኡጋንዳ፡ ነቲ ሩዋንዳ ምስ ዕጡቃት ሓይልታት ይተሓጋጋዝ እዩ እናበለት ክትከሶ ዝጸንሐት ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ሜጀር ጀነራል ኣቤል ካንዲሆ፡ ካብ መዝነቱ ከም ዝሰጎገቶ ይፍለጥ።

እዚ ምኽፋት ናይ ዶባት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ይምለስ ምህላዉ ዘመልክት እዩ ክብል ቢቢሲ ትንተናኡ ኣቐሚጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com