Monday , May 20 2024

ሬሳ ዝጥፍኤ ጋዜጠኛ ኣብ ሩባ ኡፕሰላ ተረኺቡ።

ኣብ ሰሜን ሩባ ኡፕሰላ ዝተረኽበ ሬሳ፡ ናይቲ ደሃዩ ኣብ ወርሓ መጋቢት ዝጠፍአ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ምዃኑ ፖሊስ ምርግጋጾም ተሓቢሩ። እዚ ሳጂድ ሁሴን ዝተባህለ ወዲ 39 ዓመት ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ በቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻባት ኣብ ህይወቱ ምፍርራህ ይመጾ ከም ዝነበረን በዚ ድማ ዓሚ ኣብ ሽወደን ዕቚባ ከም እተዋህቦን ይፍለጥ። ንሱ ናብ ኡፕሰላ ክሰግር ኣብ መስርሕ እናሃለወ እዩ ተሰዊሩ። ኣፈኛ በዓልመዚ ኣኽባር ሕጊ እቲ መርመራ ሬሳ ይቕጽል ምህላዉ ገሊጻ’ላ። ሬሳ ሑሴን ኣብ ሩባ ፊሪስ ሰሜን ኡፕሰላ ብ 23 ሚያዝያ ከም እተረኽበን መንነቱ ኣብ ባሕቲ ግንቦት ከም እተረጋገጸን ዝዝከር ኮይኑ ጠንቂ ሞት ገና ኣብ መጽራይ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com