Monday , May 20 2024

ሰልፊ ሞደራተርና ኣብ ህጹጽ ግዜ ሓድሽ መንግስታዊ ስልጣን ክህሉ ይጽውዕ።

ኡልፍ ክሪሰርሰን፡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሞደራተርና፡ ሽወደን ኣብ ሰላም ግዜ ንሓደጋ ዚበቅዕ ተወሳኺ ስልጣን ዚህብ ሕጊ የብላን ይብል። ንሱ ብዙሓት ሃገራት ንግዜ ሃንደበታዊ ሓደጋ ዘገልግል ኣቐዲሙ እተሓስበሉ ሕግታት ኣለወን፡ ንኣብነት ግብረሽበራ ሓደ ካብቲ ኪኽሰት ዚኽእል እዩ። እዚ ግን ካብቲ ዝሑል ኲናት ዚውዳእ ጀሚሩ ምንም ኣይተሓስበሉን፡ ይብል መራሒ ሰልፊ ሞደራትና። ሽሕኳ ሽወደን ንእዋን ኲናት ዘገልግል ተመሳሳሊ ሕጊ እንተሎዋ፡ ኣብ ግዜ ሰላም ዘገልግል ግን ከምዘይብላ ሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2008 ከምዚ ሓሳባት ኣብ ባይቶ ቀሪቡ ነይሩ ግን ኣብ ምሕጋግ ወይ ኣብ ውሳኔ ከምዝየበጽሔ ይነግር። ናይ ክሪስተርሰን ርእይቶ ድሕሪ ኣብ ባይቶን ካብ ባይቶን ወጻእን እተገብረ ዘተ ኢዩ ዚናፈስ ዘሎ፡ እዚ ድማ ነቲ መንግስቲ ንኮሮናቫይረስ ንምግጣም ኪህሉዎ ዘድሊ ሓደስቲ ስልጣናት ዚምልከት እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com