Monday , May 20 2024

ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ መበል 29 ሰሙን ናይዚ ዓመት’ዚ፡ 5632 ሓደሽቲ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ከምዝተመዝገቡን፡ በዚ ድማ ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ 408,677 በጺሑ ምህላዉ ብምግላጽ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 7.9% ምብጽሑ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ኣብ ሰሙናዊ ጸብጻቡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ይኹን እምበር፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት፡ ልዑል ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። 10.4% ካብ መንእሰያት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ብቑጽሪ ክረአ እንከሎ፡ 54,063 ከምዝኾነ ይሕብር። ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሰሙን ጥራይ፡ 1831 ሓደስቲ መንእሰያት፡ ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ተምዝጊቡ ኣሎ።

1041 ሰራሕተኛታት፡ ስርሖም ከቋርጹ ምዃኖም መጠንቀቕታ ክወሃቦም እንከሎ፡ 4932 ስራሕ ኣልቦ ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ስራሕ ጀሚሮም ኣለዉ። 246 ሰባት ድማ ምዱብ ልምምድ ምጅማሮም፡ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com