Monday , May 20 2024

ስቴፋን ሎቪነ፡ ካብ ስርሖም ዝተባረሩ ሰባት፡ ዘሻቕል የብሎምን ይብል

ነፍሲ ወከፍ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ፡ ክሰርሕ ይግበኦ። እቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ካብ ስረሖም ዝተባረሩን ዛጊት ስራሕ ዘይረኸቡ ዘለዉ ሰባት ግን ዘሻቕል ነገር ከምዘየለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን ገሊጹ። ስለዝኾነ ድማ እዩ መንግስቲ፡ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ኣብ እዋን ቀውዒ ብምውሳኽ፡ ንዝያዳ ሰባት ከምዝሽፍን ዝኾነ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ መንግስቲ፡ ክሳብ ዓመተ 2022 ዝበጽሕ፡ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ንኽኸፍል ዝሸባሸብ ዘሎ ክብል ወሲኹ።

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መንግስቲ፡ ንኽፍሊት ናይ ዝጎደለ ሰዓታት ስራሕ እንዳ ሸፈነ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስራሓት ከድሕን ክኢሉ እዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣዘኻኺሩ።

ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል ባጀት ብመንግስቲ ተሰሊዑ ከምዘሎ ዝገለጸት፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሾን፡ መዓልታዊ ክፍሊት፡  ካብ 510 ክሳብ 1200 ክሮን ምዃኑ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com