Monday , May 20 2024

ስትራቴጂ ምዕጋት ቫይረስ ኮሮና ሽወደን ብገሊኡ ናእዳ ብገሊኡ ምንጻግ የጋጥሞ።

ስትራቴጂ ምዕጋት ቫይረስ ኮሮና ሽወደን ብገሊኡ ናእዳ ብገሊኡ ምንጻግ ኣጋጢምዎ ተባሂሉ። ማዕከናት ዜና ጀርመን ስዱቱሽ ዘይቱንግ፥ ዲ ቬልትን ስቴርንን ሽወደን ኣብ ጒዳይ ቫይረስ ኮሮና ዘለዋ ፖሊሲ ዝልቕ ዝበለ እዩ ክትብል እንከላ ሽወደናውያን ክኢላታት ግና ቅኑዕ ፖሊሲ እያ ሓንጺጻ ትኽተል ዘላ ይብሉ ኣለዉ። ፕሮፌሰር ስተፋን ዊሊች ሽወደን ዕዉት ፖሊሲ እያ ትኽተል ዘላ ክብል ንፖሊሲ ሽወደን ንኢዱ።፡ ዛጊት ሽወደን ከም ሞዴል ክትውሰድ እትኽእል ሃገር እያ። ብፍላይ ብመንጽር እቲ ኣዝዩ ቀያዲ ፖሊሲ ጀርመን እንክረአ ኣዝዩ ዕዉት እዩ ክብሉ ድማ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com