Monday , May 20 2024

ስጋ

ስጋ ካብ ኣብ ሕርሻ ዝዓበዩ እንስሳ ኮነ ካብ እንስሳ ዘገዳም ዝርከብ ዝብላዕ መግቢ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ጭዋዳታት ኢዮም። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ውሽጣዊ ኣካላት ናይቲ እንስሳ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ቀይሕን ጻዕዳን ስጋ ዝተፈላለዩ ኢዮም። ቀይሕ ስጋ ካብ ከምበዓል ከብቲ፡ ኣባጊዕ፡ ኣጣልን ሓሰማን ክንረኽቦ ይከኣል። ጻዕዳ ስጋ ከኣ ካብ ደርሆን ካልኦት ኣዕዋፍን ይርከብ።
ዘይተመስርሐ ስብሒ ዘይብሉ ስጋ ኣብታ ሓሙሽተ ዝተዛነቑ መግብታት እተርኢ ዓንኬል ንረኽቦ ዝተመስርሐን ዘይተመስርሐን ስጋ፡ ስብ ዘይብሉን ስቡሑን ስጋ ከምኡ’ውን ዝተመስርሐን ዘይተመስርሐን ስጋ ኢልና ክንፈልዮ ይከኣል ኢዩ።
• ዘይተመስርሐ ስጋ፥-> ስጋ ደርሆ፡ ዝተኸሸነ እግሪ ደርሆ፡ ስጋ ታኪን፡ቢስተካ; ስጋ ሽምጢ ሓሰማ፡ ስብሒ ዘይብሉ ስጋ ሓሰማ፡ ስጋ ሰለፍ ሓሰማ ከምኡ’ውን ስብሒ ዘይብሉ ስጋ ከብቲ። እዚ ስጋ’ዚ ቅድሚ ናብ ዕዳጋ ምውራዱ ዝኾነ ዓይነት መስርሕ ኣይሓልፍን ኢዩ። ብረቂቕ ዝተምረ ስጋን ጥሑን ስጋን እሞ’ኸኣ ወልሓንቲ ነገር ዘይተወሰኾን ዘይተመስርሐን ንረክብ።

ኩሎም ውጽኢት ስጋ ከም በዓል ዝተቓመመ ስጋ፡ ስጋ ሓሰማ ዝተመስርሐ ስጋ ንኣብነት ሃምበርገር፣ ዝተጣሕነ ስጋን ዝተቓመመ ስጋን። እዚ ዓይነት ስጋ ቅድሚ ናብ ዕዳጋ ምውራዱ ናቱ ጣዕሚ ኮነ ነዊሕ ናይ ምጽናሕ ባህርያቱ ብዝተፈላለዩ ኣጋባባት ይጽሎ ንኣብነት ብትኪ፡ ጨው፡ ምንቃጽ ከምኡ’ውን ንነዊሕ ከጽንሖ ዝኽእል ቀመማት። እቲ ስጋ ቀይሕ ክኸውን ይኽእል ወይ’ውን ጻዕዳ።

• ዝተመስርሐ ስጋ፥  ስብሒ ዘለዎም ስጋታት ብስብሒ ዝዘቕበቡ ኢዮም፡ ንኣብነት ስጋ ናይ ሕቖ፡ ዝተጣሕነ ስጋ፡ ስጋ ናይ መሰንገለ ወዘተ ዕቃበ
ስጋ ኣብ ዝህልወና እዋን እዞም ዝስዕቡ ምኽርታት ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ።

• ጥረ ስጋን ውጽኢት ጥረ ስጋን፡ ድሕሪ ምዕዳግና ተቐላጢፍና ኣብ መዝሓሊ (ፍርጅ) ከነእትዎ ኣለና። ኩነታት ኣየር ኣዝዩ ውዑይ ምስዝኸውን መዝሓሊ ሳንጣ ክንማላእ ጽቡቕ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ መኪና፡ ረስኒ ኣብ ግዜ ጸሓይ ቀልጢፉ ይውስኽ።
• ፍርጅና ዝሑል ከምዘሎ ምርግጋጽ። ንኣብነት 4°ሰንቲግሬድ
• እቲ ዝወድቀሉ ዕለት ኩሉ ግዜ ክንርእዮ ኣለና። እቲ ዕለት ምስዝሓልፍ ነቲ ስጋ ምድርባዩ።
• መትሓዚኡ ዝተኸፍተን ወይ’ውን ዘይተዓሸገ ስጋ ካብ 2 መዓልቲ ንላዕሊ ኣብ ፍርጅ ክንሕዞ የብልናን።
• ስጋ ቅድሚ ንመግቢ ምድላውና ንነዊሕ ግዜ ካብ ፍርጅ ወጻኢ ክቕመጥ የብሉን። ብዝተፈላለዩ ባክተርያ ክብከል ስለዝከኣል።
• ዝተዳለወ ስጋ ካብ 3-4 መዓልቲ ኣብ ፍርጅ ከጸንሕ የብሉን። ኣብ መጋርያ ዝተጠብሰ ስጋ ክንዕቅቦ የብልናን። ካብ ፍርጅ ወጺኡ ነዊሕ ስለዝጸንሐ ቀልጢፉ ክበላሾ ይኽእል’ዩ።
• ዘይበሰለ ዝተጣሕነ ስጋ እሞ ከኣ ዘይተዓሸገ ኣብ መዝሓሊ ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ክጸንሕ የብሉን ኣብ መብረዲ ግን ክሳብ 3 ወርሒ ክጸንሕ ይከእል ኢዩ። ንኣብነት ሃምበርገር።
ንሓጺር ግዜ ክዕቀብ ዝኽእል ስጋ ኩሉ ግዜ ክሳብ መዓስ እንተተጠቒምናሎም ውሑሳት ምዃኖም ዝሕብር ዕለት ኣለዎም። እቶም ነዊሕ ክዕቀቡ ዝኽእሉ ድማ ክሳብ መዓስ ከይተበላሸዉ ክጸንሑ ይኽእሉ ዝሕብር ዕለት ኣለዎም። ስለዚ ስጋ ኣብ ንገዝኣሉ እዋን ዕለቱ ምርኣዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
መብረዲ
ስጋ ኣብ ክሳብ -18° ሰንቲግሬድ ዝበጽሕ ዛሕሊ ክንዕቅቦ ይከኣል ኢዩ። ስጋ ደርሆ፡ ስጋ ከብትን ስጋ ሓሰማን ክንዕቅበሉ ንኽእል ግዜ ዝተፈላልየ ኢዩ።
ኣብቲ መትሓዚ ዝርከብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣተዓቓቕብኡ ክንርእዮ ኣለና።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com