Monday , May 20 2024

ሶማላውያን ዒራቓውያንን ሶርያውያንን ብዝለዓለ መጠን ግዳያት ሞት ኮሮና ይኾኑ ኣለዉ ተባሂሉ

ምስ ዓመታት 2016-2019 ብምውድዳር ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት እዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ኣብ ዝነበራ ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ዒራቓውያን: ሶማላውያንን ሶርያውያንን ካብቲ ካልእ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ብ 200 % ዝለዓለ መጠን ግዳያት ሞት ምኳኖም ሓድሽ መጽናዕቲ ምምልካቱ ኤክስፕረስ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብኣንጻሩ ኣብ ሽወደን እተወልዱን ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡን ሰባት መጠነ ሞት ብ ኣሉታ 1 ምንካዩን ናብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሰሜን ኣመሪካን ዝቕመጡ ሰባት ድማ መጠን ሞት ብ 19% ምንካዩ ተፈሊጡ።
ብ Läkartidningen እተበግረ መጽናዕቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ወቕቲ ጽድያ ንዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ምጽላዉ ገሊጻ።
“ኣብ እንዳ መናበይ ዝነብሩ ሽማግለ ስደተኛታት ኣብ ምሕላው ምድሓንን ኣይተዓወትናን” ክትብል ፕሮፌሰር ጉትብሪስቲና ጃኮብሰን ን ጌትወይ ፖስት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ኣብ ገለ ክፋል ስደተኛታት ኣጋጢሙ ዘሎ መጠነ ሞት ኣብ መላእ ሕብረተ ሰባት ሽወደን እንተ ዘጋጥም ነይሩ: ቁ1ጽሪ መጠን ዝሞቱ ሰባት ክሳብ 44 ሽሕ ምበጽሐ ኔሩ። እዚ መጽናዕቲ ካብ ወርሓት መጋቢት ክሳብ ግንቦት 2020 ንዝነበረ መጠነ ሞት ምስ ኣብ 2016-2019 ምስ ዝነበራ ዓመታት ምንጽጻሩ ድማ ተመ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com