Saturday , June 1 2024

ሽወደናዊ ሆስፒታል፡ ዕውት ዝኾነ ናይ ኢድ ምትካል መጥባሕቲ ኣካይዱ

ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሶልግሪየንስካ፡ ዮተቦሪ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ስንክልቲ፡ ዕዉት ዝኾነ ናይ ኢድ ምትካል መጥባሕቲ ምክያዱ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ከም ምኑ ዝንገረሉ ዕዉት ምልዋጥ ኣካላት ወዲ ሰብ እዩ። እተን ክልተ የእዳው፡ ካብ ሓደ ክፋል ኣካላቱ ዝልግስ ሰብ ዝተረኽባ ኮይነን፡ እታ ስንክልቲ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ክልተ የእዳዋ  ብሰንኪ ረኽሲ ከም ዝሰኣነተን ተገሊጹ።

እቶም ነዚ መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓካይም፡ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ኦፐሬሽን ንምክያድ ቀዳሞት ብምዃኖም ሓጎሶም ክገልጹ እንከለዉ፡ እታ መጥባሕቲ ዝተኻየደላ ስንክልቲ ብወገና “ክልተ ባዕለይ ዝእዝዘን ኣእዳው ብምርካበይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ዘለኹ” ክትብል ደስታኣ ገሊጻ።

 እዚ መስርሕ ሰፊሕ ምድላውን መሳርሒታትን ዝሓተተ ኮይኑ፡ 18 ናይ መጥባሕቲ ሰዓታት ክወስደልና ክኢሉ ዝበለ መራሕ እታ ናይ መጥባሕቲ ጉጅለ፡ ፓውሎ ሳሶ፡ ኣብቲ መስርሕ መጥባሕቲ፡ 15 ሓካይምን ብርክት ዝበላ ነርስታትን ከምዝተሳተፉ ሓቢሩ። ነዛ መስርሕ መጥባሕቲ  ንምክያድ 7-8 ዓመታት ኢና ክንዳሎ ጸኒሕና” ክብል ብምውሳኽ ገሊጹ።

ብዘይካዚ ነቲ መጥባሕቲ ዘድሊ ልምምድ፡ ብምትሕብባር ካልመርስ ዩኒቨርሲቲ ኦቭ ቴክኖሎጂ ከም እተሳለጠ እውን ተሓቢሩ። ኣብዚ ልምምድ፡ እታ ሕምምቲ፡ ነቲ ሓደስቲ ኣእዳዋ ብኣእምሮኣ ንምእዛዝ ከም እተማህረትን፡ ንጽባሕ’ቲ መጥባሕቲ፡ ኣጻብዓታ ከተንቀሳቕስ ከምዝጀመረትን፡  ክሳብ ሕጂ እናመሓየሸት ከም እትርከብን ተገሊጹ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣእዳው ይስእኑ ዝብል ድሉው ኣሃዝ እኳ እንተዘየሎ ኩሎም ኣእዳው ንምርካብ ዘኽእሎም ቅድመ ኲነት የማልኡ እዮም ማለት እውን ኣይኮነን ይብል ሳሶ። ብዘይካ’ዚ ምስ ምትካል ኣእዳው ዝተሓሓዝ ናይ ስነ-ምግባር ሕቶታት ኣሎ። ምኽንያቱ ዋላ ፍቓድ መዋታይ ለጋሳይ እውን እንተሃለወ ምስ ኣዝማዱ ምዝርራብ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com