Monday , May 20 2024

ሽወደናዊ ኩባንያ ናይ ፓኒኖ ፍርያቱ ካብ ዕዳጋታት ይስሕብ።

ብስጋ ደርሆ ዝስራሕ “ማክስ ደሊፍሬሽ ቺክን በርገር” ዝበሃል ዓይነት ፓኒኖ ዘፍሪ ክሮንፋገል ችኪን (Kronfågel Chicken) ዝተባህለ ትካል ፍርያቱ ካብ ዕዳጋ ከም ዝሰሓበ ኣፍሊጡ፡ ምኽንያቱ መጠቕለሊ ናይቲ ፍርያት ኣለርጂ ዘስዕብ ባእታ ዘለዎ ኮይኑ ስለዝተረኽበ። እዚ ካብ ዕዳጋ ተሳሒቡ ዘሎ ፍርያት ናይ 27/8/2019 ክሳብ 26/8/2020 ዕድመ ዘለዎ ፍርያት ጥራይ ምዃኑ እቲ ትካል ምስ ጋዜጣታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

እቲ ፍርያት ካብ ዕዳጋ ክሳብ ዝእከብ ኩሎም ተጠቀምቲ ናይዚ ፍርያት ክገዝኡ እንከለዉ ክጥንቀቁ ከምዘለዎም እቲ ትካል ደጊሙ ኣዛኻኺሩ። እቲ ትካል ንኹሎም ዓማዊሉ ብዘጋጠመ ኩነታት ይቕሬታ እናሓተተ ነቲ ገዚኦሞ ዘለዉ ፍርያት ናብቲ ዝገዘእዎ ቦታ ብምምላስ ዝኸፈልዎ ገንዘብ ክምለሶም ምዃኑ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com