Monday , May 20 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክዓግት ከም ዝኽእል ዝንገረሉ ባእታ ምሂዞም ተባሂሉ

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሻልመርዝ፡ ዮቶቦሪ፡ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ንቫይረስ ኮሮና ክቐትል ከም ዝኽእል ዝንገረሉ ባእታ ከምዝመሃዙ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ ዝተማህዘ ባእታ “ፐፕቲዳት” ዝተባህለ ዓይነት ፕሮቲን ኮይኑ ናብ ኣዝዩ ንኡስ ኣካል ብምድቓቕ ምስ እንጥቀመሉ ንቫይረስ ኮሮና ክቐትል ተኽእሎታት ከምዘለዎ እቲ ውጽኢት ይሕብር። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ኣተባባዒ እዩ ክብል ናይ ስነ-ቀመማት መምህርን ሓላፊ ጉጅለ ተመራመርትን ዝኾነ ማንቲን ኣንደርሾን  ብምውሳኽ ገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ምህዞ፡ ኣብ መመርመሪ ላባራቶሪ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተማህዘን ኣብ ልዕሊ ከም በዓል ሳርስን (SARS) መርስን (MERS) ዝኣመስሉ ዓይነታት ቫይረስ ዕዉት ዝኾነ ውጽኢት ከምዘርኣየ ተፈሊጡ ኣሎ። ቀጺሉ ዝስዕብ ፈተነ ድማ ኣብ ልዕሊ ቫይርስ ኮሮና ክኸውን እዩ።

ክሳብ እዚ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ኣይተኻየደን ዘሎ፡ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ግን ትስፉው እዩ። እቲ ባእታ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ናውቲ መከላኸሊ ትለኽዮ’ሞ፡ እቲ ቫይረስ ናብቲ ከባቢ ምስ ዝመጽእ ድማ ብቕጽበት ክቐትሎ ይኽእል።

ጽልዋ ናይቲ ባእታ ኣብ ልዕሊ ቫይረስ ኮሮና ዝሕብር ውጽኢት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክንርኢ ኢና። ከምቲ ትጽቢት ጌርናሉ ዘለና፡ ኣወንታዊ ውጽኢት እንተድኣ ረኺብናሉ ድማ ለበዳ ቫይረስ ብዝዓበየ መጠን ክንዓግት ክንክእል ኢና ክብል ኣንደርሾን ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com