Monday , May 20 2024
Pontus Lundahl / TT / kod 10050

ሽወደን ሕሙማት ልቢ ንምድሓን ድሮን ብምጥቃም ኣብ ዓለምና ፈላሚት ኮይና።

ሽወደን ኣብ ዓለም ፋልማይ ምዃኑ እተነግረሉ ኣገባብ ማለት ድሮናት ብምጥቃም ሕሙማት ልቢ ንምድሓን ትጽዕር ምህላዋ ተገሊጹ። ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ዝህብ SOS ተሓጋገዝቲ ልቢ ዝኾኑ ናውቲ ብድሮናት ብምልኣኽ ቅድሚ ኣምቡላንስ ዝበጽሕ ረድኤት ንምሃብ ይጽዕር ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ኣገባብ ብዙሕ ህይወት ከድሕን ከም ዝኽእል ክኢላታት ከም ዝኣምንጅ SVT ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። ናውቲ ሕክምና ልቢ ዝጸውር ድሮን እናተጠቐምካ ረድኤት ምሃብ ንሒደት ዓመታት ክሕሰበሉ ዝጸንሐ ምዃኑኳ እንተተፈልጠ ኣብ ዩትሮን ዝመደብሩ ኡትሬድሮንን SOS ን እዮም ናብ ጋህዲ ዝቕይርዎ ዘለዉ።

“ሓደ ሰብ ብሕማም ልቢ ከም እትታሕዘ ሓበሬታ ምስ ረኸብና እታ ድሮን ኣብ ውሽጢ ደቒቕ ናብ ሕሙም ከም እትበርር ይግበር” ክብክ ዋና ኣካያዲ እቲ ቤርጽሕፈት ማትስ ሳልስትሮም ሓቢሩ። ድሮናት ኣቐዲሙ ብእተወሰነ መንገዲ እያ እትጓዓዝ። ካብ ሕሙማት ልቢ 10 ሚእታዊት ጥራይ ናይ ምድሓን ከም ዝህልዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ህጹጽ ሕክምና እንተረኺቦም ግና ክሳብ 70% ክድሕኑ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ሕክምና ልቢ ትካል ካሮሊንስካ ይሕብሩ። ኣብ እንዳ ጂምን ካልኦት ቦታታትን ዘጋጥም መግመይቲ ልቢ ህጹጽ ሕክምና እንተረኺቡ 70% ሕሙማት ክሓውዩ ተኽእሎታት ኣሎ። እዚ ናውቲ ነዚ ክሕግዝ እዩ ድማ ኢሎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com