Monday , May 20 2024

ሽወደን ምስ ኢራን ናይ ንግድ ንጥፈት ንምቕጻል ፋይናንሳዊ ጒዳያት ዘዳቕስ ስርዓት ክትጽንበር ከም ትደሊ ኣፍሊጣ!!

ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ሩስያ ፒተር ኤሪክሰን ሃገሩ ምስ ኢራን ዝጸንሓ ንግዳዊ ርክብ ክትቅጽለሉ ድሌታ ምዃኑብ ፋይናንሳዊ ጒዳያት ንምውርራድ ስራዓተ INSTEX ክትጽንበር ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ’ሎ። “ዛጊት ሰለስተ ሃገራት ጥራይ–ማለት ጀርመን፥ ፈረንሳን ብሪጣንያን ነዚ ስርዓት ምጽንባረን እፈልጥ እየ።

እዚ ስርዓት ግና ንዂለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እውን ክፉት ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ። ሽወደን ምስ ኢራን ኣጠቓላሊ ውጥን ንግድ ከም ዝገበረትን ኣብቲ ዞባ ኲነታት ናብ ንቡር ክምለሱ ዘለዋ ጽኑዕ እምነትን ገሊጹ’ሎ። እዚ ፋይናንስ ናይ ምውርራድ መስርሕ ኣመሪካ ምስ ኢራን ዝነበራ ውዕል ኑክሌር ድሕሪ ምንስሓባ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com