Monday , May 20 2024

ሽወደን ነቲ ካብ ቻይና ክትገዝኦ ሃቂና ዝነበረት ናውቲ መከላኸሊ ኣቋሪጻቶ።

ሰበ ስልጣን ሽወደን ነቲ ካብ ቻይና ተገዚኡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ሽወደን ክኣቱ ተዳልዩ ዝነበረ ብሚልዮናት ዝቑጸር ናውቲ መከላኸሊ ከምዘይፍቅዱ ሓቢሮም። እቲ ናውቲ መከላኸሊ፡ ጓንትን (Gloves)፡ መሸፈን ኣፍን ኣፍንጫን (Masks) መክላከሊ ማስኬራ (Protective masks) ዘጠቓለለ እዩ። ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ነዚ ናውቲ መከላኸሊ ከም ቀንዲ ናይ ድሕነት ባእታ ኣይኮነን ክብል እንከሎ ጨንፈር ኣገልግሎት ጥዕና ስቶክሆልም ግን እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ግጉይ ምዃኑ ይዛረቡ።

ናውቲ መከላኸሊ ካብ ቻይና ናይ ምግዛእ ዕድል ዝረኸበቶ ድሕሪ ከቢድ ጻዕርን ምትእትታውን ናይ ሓደ ሳሙኤል ኣሳሮኖጅ ምንባሩን ንሱ ድማ ምስ ሽወደናውያን ሓካይም ብምርድዳእ ሎጂስቲካዊ መስመራት ብምድላው ብመንገዲ ፖላንድ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ሽወደን ንኽኣቱ ተመዲቡ ነይሩ። ኣብ ሽወደን ዓቢ ሕጽረት ናውቲ መከላኸሊ እኳ እንተሃለወ፡ ሰበ ስልጣን ሽወደን ግን ነቲ ካብ ቻይና ክመጽእ ተመዲቡ ዝነበረ ናውቲ መከላኸሊ ምስ ብቕዓትን ድሕነትን ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ከምዝነጸገቶ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com