Monday , May 20 2024
Anders Wiklund / TT /

ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኖርዲክ ዝጸንሐ መምርሒታት ኣልዒላ።

ሽወደን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኖርዲክ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣባላት ቊጠባዊ መሻርኽቲ ኣውሮጳን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ኣገዳ ከተልዕሎ ምዃና መንግስቲ ሽወደን ትማል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

በዚ ድማ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ኣትሒዞም ካብዘን ሃገራት ናብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ምውሳዶም ይዂን ካብቲ ሕማም ነጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምስክር ምቕራብ ኣይከድልዮምን እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እቲ እገዳ ካብዘን ሃገራት ወጻኢ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ክሳብ ዝመጽእ 31 መጋቢት ጸኒዑ ክቕጽል እዩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com