Monday , May 20 2024
Jessica Gow / TT kod 10070

ሽወደን እትኽተሎ ሜላ መኸተ ኮሮና ክትቅይር ኣለዋ ክብሉ ኣርባዕተ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ኣርባዕተ ተመራመርቲ ሽወደን ኣብ ክንዲ እቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ” ማርቴሎን ትልሂትን” ዝበልዎ ኣገባብ ብምጥቃም ዝበዝሐ ህይወት ምድሓን ከም ዝከኣል ናይ ሎሚ ሕታም ዳገንስ ንሂተር ገሊጹ። “ሽወደን ዝያዳ ጽንክር ዝበለ ቀይዲታት እንተ ተኸቲላ ብዙሕ ህይወት ከተድሕን ትኽእል እያ” ክብሉ እዞም ኣርባዕተ ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ ክብል ኣብ ዩንቨርሲቲ ኡምዮ መምህር ሕማማት ለበዳ ዩሲም ሩኬሎቭ ገሊጹ’ሎ። ብፍላይ ድማ ኣብቶም ገና እዚ ሕማም ዘየስፋሕፍሓሎም ቦታታት እዚ ፍቱን ኣገባብ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ኣብሪሆም ኣለዉ።

እዞም ተመራመርቲ ነቲ “ማርቴሎ” ዝበልዎ ኣገባብ ክገልጽዎ ከለዉ ጽንክር ዝበለን ኣብቲ ለበዳ ጸቕጢ ዝፍጽምን ሜላ ክኸውን እንከሎ እቲ “ትልሂት” ዝበልዎ ሜላ ኸኣ ኣብ ዞባታት ዘሎ ኣጠቓላሊ ኲነታት እቲ ሕማም ምምርማርን ክሳብ መድሃኒት ዝርከብ ኣብቲ ቦታታት ጸቕጢ ዘለዎ ኣገባብ ምኽታልን እዩ። እዚ ኣገባብ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኖርዲክ እተፈተነ እዩ። ሽወደን ኣብ ምግታእ ናህሪ እዚ ሕማም ጥራይ ብምትኳራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም መጠነ ሞት ምውሳኹ ድማ ከም ኣብነት ቀሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com